
ምድብ ቅዱስ ጮርቆስ
ምድብ ጮርቆስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰንበትና እቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ህጻናት እዮም፡ ክልል ዕድሚኦም ድማ ካብ ሸውዓተ ዓመት ንታሕቲ እዮ። ጉዕዞ መንፈሳዊ ትምህርቶም ድማ ብሓጸርቲን ቀልጢፎም ክሕዝዎም ዝኽእሉ መዝሙርን፡ ብዛንታታት ንፍቕሪ ኣምላኽ ንኽርድኡ ዝሕግዞም ቀለልቲ ትምህርትታት ይጅምሩ።
ዝመሃርዎ ትምህርቲ፦ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ታሪኽ ቑዱሳን፡ ሓጸርቲ መዝሙራትን። ኣብ ርእሲ እቲ መንፈሳዊ ትምህርቶም ድማ፡ መባእታዊ ቋንቋ ትግርኛ ይመሃሩ።




