2014
February 2, 2014
ብኸመይ ተመስሪቱ
ኣብ 2014 ኣብ ከተማ ኣይንድሆቨን ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣመንቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ እንጦንዮስ ናይ ግብጺ ተኣኪቦም እንዳኸዱ ይግልገሉ ነበሩ። ካብ ኣቡነ ዩሱፍ ካህን ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ብዝረኸብዎ ምትብባዕ፡ ነቲ ፋሕ ኢሉ ዝነብረ ሕብረተሰብና ንምጥርናፍ ተበግሶ ጀመሩ። ኣብዚ ድማ እቶም ነዊሕ ዓመት ጌሮም ዝጸንሑ መራሕቲ ሃይማኖት ኣቦታት ካህናት ወሳኒ ተራ ተጻዊቶም፣ ኣብቲ ኣገልግሎት ካህናት ናይቲ ከባቢ ክሳተፉ ሓሳብ ኣቕሪቦም። እቲ ብውሑዳት ዝጀመረ ምትእኽኻብ ቀልጢፉ ናብ ማሕበር ዓብዩ፣ ብዝሒ ኣመንቲ ድማ እናበዝሐ ከደ።
